መረጋገጺ ትግርኛ

ካብ 14 ግንቦት 2025 ጀሚሩ፡ ሆስፒታል ህጻናት ሞንታታን (Montétan) ንሓዋሩ ማዕጾኡ ክዓጽው እዩ። ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ህጻናት፡ ከምኡ’ውን መብዛሕትኡ ምኽርታት ሕክምና ህጻናትን ፥ ሆስፒታል ምሕዳርን ኣብቲ ማእከላይ ሆስፒታል ኮይኑ ፡ ኣብቲ ሓድሽ ሆስፒታል ህጻናት ክንቅበል ምዃንና ንሕብር።

በዚ መሰረት ካብ 14 ግንቦት ሰዓት 6 :00 ንግሆ ጀሚርኩም ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ህጻናት CHUV ክትከዱ እንተድኣ ኣድልዩኩም፡ ናብቲ ኣብ Rue du Bugnon 52, 1011 Lausanne ልክዕ ኣብ ጥቓ ሜትሮ M2 CHUV ዝርከብ ሓድሽ ሆስፒታል ህጻናት ኣምርሑ፡

ከም መዘኻኸሪ፡ ውላድኩም ሓሚሙ ወይ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ሓደጋ እንተ ኣጋጢምዎ፡ ብቐዳምነት ናይ ውላድኩም ሓኪም  ብምድዋል ክትውከስዎ ኣለኩም። ናይ ውላድኩም ሓኪም ብዛዕባ’ቲ ሕክምናዊ ውጥን ውላድኩምን ካልእ ብዛዕባ ጥዕና ውላድኩም ዝበለጸ ዝፈልጦ ዘለዎን ፥ ብግቡእ ክመኽረኩምን ክሕክምን ዝኽእልን ሕክምናዊ በዓል ሞያ እዮ።

ንውላድኩም ዝከታተሎ ግላዊ ናይ ህጻናት ሓኪም እንተደኣዝይሃልዩኩም ወይ ድማ ግላዊ ሓኪም ህጻናትኩም ኣብዘይሰርሓሉ እዋን፡ በዚ ቴሌፎን (0848 133 133)   ብምድዋል ተረኛ ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ ዶካትር ክይውከሱ ትኽእሉ፡ እዞም ሓካይም ድም ኩነተታ ጥዕና ውላድኩም ኣጸቢቖም ምስፈለጡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከማሓላልፍኹም ሕቶታኩም ክምንሱልኩምን ይኽእሉ።

ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ህጹጽ ሕክምናዊ ኩነታት ም ስዘጋጥመኩም ፡ 144 ደውሉ።

ሓድሽ ሆስፒታል ህጻናት

እዚ ሓድሽ ህንጻ ንዝበለጸ ሕክምናዊ ኣተሓሕዛን ዝተመሓየሸ ኣቀባብላን ክህሉ የኽእል፣ ኩሉ ንሕክምናዊ ኣገልግሎታት ድማ ናብ ካልእ ኣብዛ ከታማ ዝርከባ ኣብያተ ሕክምናታት ምዝውዋር ከምዘየድሊ ይገብር። ንኹሉ ናይ ናይ ህጻናት ሕክምናዊ ክእለታት ኣብ ሓደ ቦታ ብምግባር፡ ናይ መጥባሕቲ ኪኢላታት ኣብ ሓደ ቦታ ብምምጻእ፡ ዝያዳ ተግባራዊ፡ ዘመናውን ፥ ፍሕሹው ኣቀባ ብላን ዘለዎ ሃዋህው አንዳፈጠረ፡ ንጠለባት ህጻናትን፡ መንእሰያትን ስድራቤታቶምን ንምምላእ ብኹሉ መዳያቱ ዝተዳለወ ኣብያተ ሕክምና እዩ።

 Dernière mise à jour le 12/04/2025 à 16:53